ኤርትራን ኢትይጵያን ብኣመሪካ ንዝቐረበለን ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ነጺገን

Radio Erena: 24 March 2023

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዝቐረበሎም ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ነጺጎም።

“ጸሓፍ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ መርትዖ ዘይብሉን ጸለሎ ዝቐብእን ውንጀላ ኣንጻር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣቕሪቡ።” ዝበለ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣጀንዳታቶም ንምስሳይ ክብሉ፡ ካብ 2009 ንድሓር ኣንጻር ኤርትራ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ዘይሓላፍነታዊ ተጻባኢ መርገጺን ናይ
ምስይጣን ተግባራትን’ዩ።” ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ክሲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንሓደ ወገን ንምውንጃል ዝዓለመ’ዩ ብምባል ክነጽጎ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ናይ ፍትሒ መሰጋገሪ መድረኽ ኣብ እትኣትወሉ ዘላ እዋን ምቕራቡ፣ ግዜኡ ዘይሓለወ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጽ ደቂንስትዮን ዝርክብዎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ ነዚ ዝገለጸ፣ ብሰኑይ 20 መጋቢት ኣብ ዘቕርቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0