ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ሓያሎ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከቲመን፣ ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ደሴታት ኤርትራ ዑደት ኣካይዶም

ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ሓያሎ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከቲመን፣ ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ደሴታት ኤርትራ ዑደት ኣካይዶም

Radio Erena : 01 May 2015

ISu king

ኤርትራን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዐን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ክልትኤን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ሓያሎ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከምዘካየዳ’ውን ምንጭታት ዜና ካብ ማእከላይ ምብራቕ የመልክቱ።

እዚ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረን ካልእ ወታህደራዊ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ብምክያድ ምስ ንጉስ እታ ሃገር፣ ሚኒስተር ምክልኻልን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣  ወከልቲ ኤርትራ፣ ስዑዲ ዓረብ ኢማራት ዓረብን ከኣ ኣብ ናብ የመን ቅርበት ዘለዎ ወደባትን ደሴታትን ኤርትራ ዑደት ከምዘካየዱ ሚዲል ኢስት ሞኒተር ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

እቶም ወከልቲ ናብተን ናብ የመን ቅርበት ዘለወን ወደባትን ደሴታትን ዑደት ዘካየድሉ ምኽንያት፣ ነቲ ኢራን ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ተቕውሞ ኣላ ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር።

ማዕከን ዜና ሚዲል ኢስት ኣል ሞኒተር ብተወሳኺ፣ ነቶም ወከልቲ ዝጸዓነት ናይ ስዑዲ ሄሊኮፕተር፣ ካብ ኤርትራ ናብ ጅቡቲ ቀጥታዊ በረራ ከምዘካየደት’ውን ኣረጋጊጹ።

ካብ ኤርትራ ዝተበገሰት ነፋሪት ብቀጥታ ናብ ጅቡቲ ክትበርር ድሕሪ 2008 እዚ ንመጀመርያ እዋን’ዩ።

ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ጅቡቲ ከምእትድግፎ ብውግዒ ክትገልጽ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ዝኽዕነ ዓይነት ምትእኽኻብ ከምዘይትድግፍ ምግላጻ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ዘለወን ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን፣ ዝሑትል ዝምድና ከምዝጸንሀን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ንግስነት ንምዝርራብ ብዝተገብረሉ ዕድመ’ዩ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፈጸመ

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0