ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ኣከፋፍላ ዋጋ ነዳዲ ክሰማምዓ ከምዘይክኣላ ተገሊጹ

ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ኣከፋፍላ ዋጋ ነዳዲ ክሰማምዓ ከምዘይክኣላ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 August, 2014

Oil trucks

ኤርትራ ካብ ሱዳን እትሽምቶ ዘላ ነዳዲ ኣብ ግዜኡ ይበጽሕ ብዘይምህላዉ፣ ብዙሕ ጸገማት ይፈጥር ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ብቦጣት ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝጓረት ነዳዲ፣ ኣብ ግዜኡ ዘይበጽሓሉ ዘሎ ምኽንያት ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ብሰንኪ ዘሎ ናይ ዶላር-ፓውንድ ክፍሊት ዘይምስምማዕ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሱዳን ዝሽምቶ ነዳዲ፣ ፍርቂ ብዶላር ፍርቂ ድማ ብ ፓውንድ ናይ ሱዳን ክኸውን ስምምዕ ከምዘሎ ዝገለጹ ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡና ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናይ ዕዳጋ ባጤራ ዶላር ጥራይ ክኸውን’ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

 

መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ግንቦት 2014 ኣብ ዝኸተምዎ ሓያሎ ስምምዓት፣ ኤርትራ ካብ ሱዳን ነዳድን ጸዓት ኤሌክትሪክን ክትሽምት ዝብል’ዩ።

ኤርትራ ኣቐዲማ ካብ ሱዳን ነዳዲ ብቦጣት ክትሽምት እኳ እንተጸንሐት፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ከሕውዮ ዘይክኣለ ጸገም ሸመተ ነዳዲ ንምፍታሕ፣ እቲ ካብ ሱዳን ዝሽመት ነዳዲ ካብቲ ዝነበሮ ክዛይድ’ዩ ወሲኑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እታ ንባዕላ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ኤሌክትሪክ ጸዓት ንምሽማኦት ዝተሰማምዐት ሱዳን፣ ገለ ክፋል ናይቲ ጸዓት ናብ ኤርትራ ክትሸጦ ከምዝተሰማምዐት’ውን ይዝከር።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ናይ ነዳድን ጸዓትን ንግዲ፣ ኣብ ጉዳይ ናይ ዕዳጋ ባጤራ፣ ምሉእ ብምሉእ ክሰማምዓ ከምዘይክኣላ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

እታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሱዳን፣ ኣቐዲማ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ፣ ካብ ሓደ ሽሕ ዶላር ንላዕሊ ካብ ሃገር ከየውጽኡ ዝኽልክል ሕጊ ከምዘተኣታተወት’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0