ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ካርቱም ንኣስታት20 ዓመታት ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምዕዳል ቪዛ ጀሚሩ

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ካርቱም ንኣስታት20 ዓመታት ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምዕዳል ቪዛ ጀሚሩ

Radio Erena: 13 July 2015

US in Suda

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ድሕሪ 20 ዓመቱ ንመጀመርያ እዋን ናይ ዲቪ፣ መርዓን ምትእኽኻብ ስድራታትን ማለት ናይ ኢምግራንት ቪዛ ክዕድል ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ብጉዳይ መርዓ፣ ምትእኽኻብ ስድራቤታት ይኹን ናይ ዲቪ ሎተሪ ንዝተዓወቱ ቪዛ ክዕድል ብዘይምጽንሑ፣ ኣሻሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ነበርቲ እታ ሃገር ናይ ቪዛ መስርሕ ንምስላጥ ናብ ግብጺ እናኸዱ ክወስዱ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እዚ ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ እዋን ጀምሪሩ ዘሎ ምዕዳል ኢምግራንት ቪዛ ኣብ ካርቱም፣ ነቶም ናብ ካይሮን ካልኦት ከተማታትን እናኸዱ ቪዝ ንምሕታት ክከላበቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ቪዛ፣ ካብ ተወሳኺ ወጻኢታትን ምክልባትን ከድሕኖም’ዩ።

 

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ካይሮ ዝነበረ ቪዛ ንዝሓቱ ቃለ መጠይቕ ምክያድ ይኹን መስርሕ ምዕዳል ቪዛ ካብዚ ወርሒ’ዚ ጀሚሩ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ሱዳን ምስ ኣመሪካ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድና ንምምሕያሹ ጻዕርታት ኣብ እተካይደሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0