ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣሲሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ናጻ ክሰዶም ጸዊዑ

Radio Erena: 04 May 2022

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፣ ብምኽኒያት 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ፕረስ ኣመልኪቱ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣሲሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ናጻ ክሰዶም ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ መልእኽቱ፣ ዳዊት ኢሳቕ፣ ስዩም ጸሃየ፣ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ማቴዎስ ሃብተኣብ፣ ፍስሃየ ዮሃንስ፣ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ስዒድ ዓብዱልቃድር፣ የሱፍ መሓመድ ዓሊ፣ መድሃኔ ሃይለ፣ ኣብ መዓልቲ ፕረስ፣ ኣስማቶም ብዓውታ ብምጽዋዕ፣ ከምዘይረሳዕናዮም ክፈልጡ ንደልይ፣ ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2007፣ ኤርትራ ንቻርተር ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሳ ብምባል ክሲ ከምዘቕረበላ ዘዘኻኸረ እቲ ኤምባሲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብጅምላ ጋዜጠኛታት ምእሳርን ናይ ብሕቲ ሜድያ ክዓጹ ዘፍቅደሉ ሕግታትን፣ ክስርዝ ጸዊዑ።

3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ፣ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዓቢኡ ከኣ ዜጋታት፣ ብናጽነት ሓሳቦም ክገልጹ መታን፣ መንግስታት ድሕነቶም ከረጋግጹ ንምዝኽኻር ብምዕላም እዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ ክውዕል ኣዊጁ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0