ኤልሳ ጭሩም፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍታሕ ንኽረኽቡ ዝጽውዕ፣ ኣብ ጄኔቫ መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ተካይድ ኣላ

ኤልሳ ጭሩም፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍታሕ ንኽረኽቡ ዝጽውዕ፣ ኣብ ጄኔቫ መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ተካይድ ኣላ

Radio Erena: March 24, 2014

elsa churum

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ፍታሕ ንኽረኽቡ ንምጽዋዕ፣ ኤርትራዊት ተጥባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤምባሲ ጅቡቲ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ተካይድ ምህላዋ ተገሊጹ።

ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት አርትራ ኤልሳ ጭሩርም፣ ኣቐዲማ ንኩነታት እቶም ኣስታት 267 ኤርትራውያን ንምክትታል ናብ ጅቡቲ ከይዳ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ናይ ዓይኒ ምስክርነታ ሂባ’ያ።

 

ካብ 2008 ኣትሒዙም ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ጅቡቲ ዝኾነ ቆላሕታ ክህቦም ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ነዞም ካብ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓተቱ መንእሰያት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ’ውን ጸምማም እዚኒ ምሃቡ ኤልሳ ጭሩም ብተደጋጋሚ እዋን ኣብ ዘቕረበቶ መግለጺታት ክትነቕፍ ጸኒሓ።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ነቶም ዶባ ሰጊሮም ዑቕባ ንምሕታት ዝኣትዉ ኤርትራውያን ከም ምሩዃት ኵናት ሒዞውም ከምዘሎን ግቡእ ሕክምና፣ ጽሬትን ዝተመጣተነ መግብን ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም’ውን ግዳያት ዝተፈላለየ ሕማማት ይኾኑ ከምዘለዉን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፣ ሓደ ኤርትራዊት ከምዝሞተ ኣይርሳዕን።

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ 16 ኤርትራውያን ምሩኻት ኵናትን ኣስታት 240 ስደተኛታትን ሳኣን ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ዛጊት ሰለስተ ሞይቶሞም ከምዘለዉ’ውን በብእዋኑ ዝተቓልሐ ጸብጻባት የመልክት።

ኤልሳ ጭሩም፣ ብዘይካ’ቲ እዚ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ጅቡቲ መግቢ ብምሕሳም ጀሚራቶ ዘላ ጻውዒት፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲታት ጅቡቲ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ተማሕጺና።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ብኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ ንዝበሎም ምሩዃቱ ኩነታቶም ከይፈለጠ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዑቕባ ንምሕታት ናብ ጅቡቲ ኣትዮም ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን ዝኾነ ቆላሕታ ከምዘይህብ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝጠቕስ።

ጅቡቲ መሰል ስደተኛታት ንምኽባር ንውዕል ጀነቬ ዝኸተመት ሃገር ክነሰ፣ ካብ ምልኪ ሃዲሞም ናብ ዑቕባ ንምሕታት ንዝመጹዋ ኤርትራውያን ግና ብኣዝዩ ኣሰካሕካሒ ኩነታት’ያ ትሕዝቶም ዘላ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሎሚ ጽባሕን ኣብ ዝካየድ መበል 25 ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ክዝተየሉ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0