“ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዘን 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ብገበን ተኣሲሮም።”

Radio Erena: 21 February 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ኮንዶሚንዮም ተኻርዮም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ለይቲ ብስኽራንን ጓይላን ህዝቢ ይርብሹ ኣለዉ ክትብል ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ንነበርቲ ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ብመሰረት እታ ብጋዜጣ ብ21 ለካቲት ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት ኣያት፣ በባልደራስ፣ ጎተራን መብራት ሃይል ጎፋን፣ ተመሳሳሊ ወቐሳታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ብፍላይ ኣብ ጎተራን መብራት ሃይል ጎፋን ግና እቲ ጉዳይ ዝዛየደ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።።

ብፍላይ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብሓዋላ እናተላእከሎም፣ ንሓደ ናይ ኮንዶሚንዮም ኣፓርትመን ካብ 27 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ብር እናኸፈሉ ስለዝካረዩ፣ ንዋጋ ክራይ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘንሃርዎን፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰሪሖም ብዝረኽብዎ ኣታዊ ዝናበሩ ተኻረይቲ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ካብዚ ብዝበኣሰ ድማ፣ ኣብ ሓደ ናይ ኮንዶሚንዮም ኣፓርትመንት፣ ልዕሊ 7 ኤርትራውያን ብእኩብ ከምዝነብሩን፣ ገሊኦም ቀትሪ ደቂሶም ውዒሎም፣ ለይቲ ብጓይላን ጨፈራን፣ ንነበርቲ ይርብሹ ምህላዎም እቲ ምንጪ ይወቕስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ናይ እኩብ መንበሪ ኣባይቲ ሽጋራ ምትኻኽ ዘይፍቀድ ክነሱ፣ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ግና ከትክኹ ከምዝርኣዩ ተመልኪቱ ኣሎ።

እንተኾነ ኣካረይቲ፣ ወርሓዊ ዝርኽብዎ ዘለዉ ኣታዊ ጥራይ ስለዘገድሶም፣ ነቶም ኤርትራውያን ዋላ’ውን እንተረበሹ ክሰጉዎም ኣይረኣዩን’ዮም።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ሓያሎ ነበርቲ፣ ካብ ዝነበርዎ ናይ ክራይ ቤት ክወጹ ይግደዱ ኣለዉ።

ኮሚተታት ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ፣ ብዛዕባ’ቲ ብኤርትራውያን ተፈጢሩ ኣሎ ዝብሃል ጸገማት ይዝትዩ ምህላዎም ዘ ሪፖርተር ንዝተፈላለዩ ኣካልት ብዝምርራብ ኣረጋጊጻ።

ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት፣ ብጉጅለን ብውልቂን ምስ ዝፈጸም ዘሎ ከም ስርቂ፣ ዓመጽን ካልእን ዝመኣሰለ ገበናት፣ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ 156 ኤርትራውያን ተኣሲሮም።

ሓያሎ ካብኣቶም ብምኽርን ማዕዳን ካብ ማእሰርቲ ክፋነዉ እንከውሉ፣ ገሊኦም ድማ ብገበን ተኸሲሶም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይጻረ ከምዘሎ ጸብጻብ ፖሊስ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ ብዝሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብዕጽፍታት ከምዝዛየደ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0