ኣዲስ ኣበባ፣ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

Radio Erena: 23 June 2018

Addis attack

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ሎሚ ቀዳም 23 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት’ውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምቅንጻል ዝዓለመ’ዩ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ወገናት ካብታ ሃገር ዝገልጹ።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዘይዝኾነ ጉዳኣት ናብ ውሑስ ቦታ ተወሲዱ

ንሱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝወደቡ; ሓድነት ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ወገናት’ዮም ክብል ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብቲ ፍጻሜ ንዝሞቱን ዝተጎድኡን ወገናት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0