ኣየርላንድ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣስታት 150 ኤርትራውያን ከተጣይስ’ያ

Radio Erena: 30 June 2020

ኣየርላንድ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ መስርሕ ክትጅምር ምዃና ኣይርሽ ታይምስ ገሊጹ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ንሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት ክቕጽል ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኣየርላንድ ዝበዝሑ ዜጋታት ሶርያ ናይ ምጥያስ መስርሕ ክሕዝ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 150 ኤርትራውያን’ውን ኣብዚ መደብ’ዚ ክኣትዉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምጥያስ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ጉዳዮም ተደናጉዩ ይርከብ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0