ኣዛዚ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 12 January 2017

Sudan Secu

ኣዛዚ ጸጥትን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን፣ ጅነራል መሓመድ ዓጣ ኣልመውላ ዓባስ፣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልትኣዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ጀነራል፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ካብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ።

ጀነራል ዓጣ፣ ብዛዕባ’ቲ ሓያሎ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዘተ ሱዳንን ውጽኢቱን ከምኡ ድማ ምምስራት ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ሱዳንን ብዝምልከት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ መብርሂ ሂብዎ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኤርትራ ማጂድ ዮሱፍ’ውን ከምዝተረኽበ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ኣዛዚ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፣ ወትሃደራውያን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ቀጠርን ቱርኪን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብኢ እዋን’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0