ኣካያዲ ስራሕ ህዩማን ራይትስ ዎች ከነዝ ሮዝ (Kenneth Roth)፣ ምስ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ፍሉይ ርክብ ኣካዪዱ

Radio Erena: 01 July 2022

ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት፣ ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ምስ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ፍሉይ ርክብ ኣካዪዱ፣ ክብላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብቲ ብረቡዕ 29 ሰነ ዝተኻየደ ርክብ፣ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፣ ‘ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዩጋንዳ፣ ክምህረኒ ዝኽእል ኣካል የለን’፣ ክብል ኣብታ ሃገር ብመንግስቲ ዝግበር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ‘ብኣባላት ጸጥታን ፖሊስን፣ ሓሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ገበነኛታት ዝረአ መግረፍቲ ኣሎ፣ ነዚ ከኣ ንምእራሙ ጻዕርታት ነካዪድ ኣለና’ ክብል ንገለ ካብቲ ብህዩማን ራይትስ ዎች ዝቐርብ ክስታት ተኣሚኑሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ህዩማን ራይትስ ዎች ከነዝ ሮዝ (Kenneth Roth) ሙሰቨኒ፣ ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ሕሉፍ ሓይሊ ምጥቃም ከምዘሎ ምእማኑ ንርእሱ ዓቢ ስጉምቲ ምዃኑን፣ ንምትዕርራዩ ሓያል ጻዕርታት ክካየድ ከምዘድልን ኣዘኻኺሩ።

ሓደ ካብ መለኽቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ ዝመርሕ ሙሰቨኒ፣ ‘ህዝብና ከመይ ነመሓድር ዝምህረና ኣካል ኣይንደልን፣ ሰብኣዊ መሰል ከኣ ካብ ወጻኢ ሃገር ኣታዊ እትገብሮ ኣቕሓ ኣይኮነን’ ክብል’ዩ ንጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ዘቆናጽብ።

ኣብ 2021 ድሕሪ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ኣብ ዩጋንዳ ምስዋር ሰባት፣ መግረፍቲ፣ ምርሻን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ከምዝተኻየዱ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ክሲ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0