ኣብ 48 ሰዓታት ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

ኣብ 48 ሰዓታት ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

Radio Erena: 26 May 2016

Sos

ኣብ`ዚ ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ጥራይ ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ኢጣልያ ኣፍሊጣ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብጀላቡ ዝተበገሱ ኣሽሓት ስደተኛታት ናይ ምድሓን መስርሕ ጽዒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብዚ 48 ሰዓታት ጥራይ 5600 ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዘ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ቲ ዚ ጥራይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 50 ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒታት ከምዘካየደ ዝሓበረ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፣ እቲ ስርሒት ቀጻሊ ምህላዉ ጠቒሱ።

 

ኢጣልያ ብመንገዲ ሊብያ ዝካየድ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስቲ ሊብያን ሃገራት ኣፍሪቃን ጽዑቕ ዘተ ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን’ዩ፣ እዚ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናይ ምድሓን መስርሕ ዘካየደት።

ጎኒ ጎኒ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ’ውን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽአ ይሊ ባሕሪን ትካላ ግብረ ሰናይን መራኽብ ብምውፋር፣ ኣብ ማእከካይ ባሕሪ ስደተኛታት ከይጥሕሉ ንምድሓኖም ስርሒታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 300 ሽሕ ዝግምገሙ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ይጽበዩ ምህላዎም ጸብጻባት ሃገራት ኤውሮጳ የመልክት።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0