ኣብ 10 መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ቀዳማይ ዝወጸ ቢንያም ግርማይ፣ ዓወቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብዝወረዶ ናይ ዓይኒ ማህሰይቲ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ

Radio Erena: 18 May 2022

ኣብ 10ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ዝሰነደ ቢንያም ግርማይ፣ ኣብ ፖድዮም ዓወቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ዝነበረ እዋን ብዝወረዶ ናይ ዓይኒ ማህሰይቲ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ።

ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም፡ Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux ዝኾነ ቢንያም፣ ብ17 ግንቦት፣ ኣብ ዝተሰላሰለ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፣ ኣብ ታሪኽ ውድድር ግራንድ ቱር ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ መድረኽ ድሕሪ ምዃኑ፣ ነቲ ጂሮ ብዓወቱ ክዛዝሞ ዝልዓለ ተኽሎ ከምዘሎ ብተንተንቲ ስፖርት ተቓሊሑ ኔሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ’ቲ ዝወረዶ ማህሰይቲ ካብ መበል 105 ጂሮ ዲ ኢጣልያ ጠቕሊሉ ምእላዩ፣ ንደገፍቱ፣ ንጋንትኡን ኣፍቀሪ ቅድድም ብሽክለታን ዘሕዘነ ፍጻሜ ኮይኑ ኣሎ።

ወዲ 22 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ካብ ዘካየዶም 9 መድረኻት፡ ኣብ’ቲ 5 ንቅድድሙ ምስ ቀዳሞት 5 ተቐዳደምቲ ‘ዩ ፈጺምዎ።

ምክትል ሻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ዝኾነ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት’ውን፡ ኣብ መበል 84 ውድድር ክላሲክ Gent-Wevelgem ቀዳማይ ብምውጻእ ታሪኽ ሰሪሑ ኔሩ እዩ።

ቢንያም ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ንደገፍቲ ሰላምታን ምስጋንን ድሕሪ ምልጋስ፣ “ነቲ ዝተረፈ ክፋል እቲ ጅሮ ስለ ዝናፍቖ የጉሁየኒ። እንተኾነ ግን ደው ክብል ክሓውን ንእተወሰነ መዓልታት ከዕርፍ ኣሎኒ። ኣብ ቀረባ እዋን ንራኸብ።” ኢሉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0