ኣብ ፈላሚት ዕለት 2015፣ ኣብ መላእ ዓለም ክንዲ ብዝሒ ህዝቢ ጀርመን ቆልዑ ክውለዱ’ዮም

ኣብ ፈላሚት ዕለት 2015፣ ኣብ መላእ ዓለም ክንዲ ብዝሒ ህዝቢ ጀርመን ቆልዑ ክውለዱ’ዮም

Radio Erena: 01 January 2015

WP

ሎሚ 1 ጥሪ 2015፣ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 77 ሚልዮን ቆልዑ ክውለዱ ምዃኖም ጸብጻብ ኣህጉራዊ ቆጸራ ህዝቢ ኣፍሊጡ።

ኣብተን ፍሉጥ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፣ ኣብዛ ሓድሽ ዓመት 77, 381, 246 ቆልዑ ናብዛ ዓለም ክጽንበሩ ትጽቢት ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ጀርመን ዝዳረግ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብ ዝሓለፈት ዓመተ 2014 ብ1.08 ሚእታዊት ብምውሳኽ ከኣ፣ ኣብዛ ፈላሚት ዕለት ናይ ሓድሽ ዓመተ 2015 ናብ 7.21 ቢልዮን ክዓቢ’ዩ።

 

ብመሰረት ተኻይዱ ዘሎ መጽናዕቲ፣ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብዚ ዘለዎ እናዛየደ ክመጽእ እኳ እንተኾነ፣ ኣስታት 40 ሃገራት ግና ኣብዚ ዝቕጽል 30 ዓመታት ብዝሒ ህዝበን ክጎድል’ዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ከኣ ኣብዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ምጉዳል ብዝሒ ህዝቢ ከጋጥመን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ዓመተ 2014 ኣብ ምዝዛሙ ዝበዝሓ ሃገራት ልክዕ ብዝሒ ህዝበን ብወግዓዊ መንገዲ ክገልጻ እንከለዋ፣ ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ግና ብዝሒ ናይ ዝውለዱን ቆልዑ ይኹን ብዝሒ ህዝበን ብገምጋም እንተዘይኮይኑ ክፈልጥኦ ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐሚጥዎ ብዘሎ ገምጋም፣ ኣብ 2050 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 9 ቢልዮን ክበጽሕ’ዩ።

ተመራመርቲ ብዝህብዎ ዘለዉ ግምታት ከኣ እዛ ዓለምና ብዘለዋ ጸጋ ካብ 10 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ንላዕሊ ክትጻወር ኣይትኽእልን’ያ።

መነባብሮ ህዝቢ ዓለም እናተመሓየሸን ሕማማት ዝግትእሉን ዝፍወስሉ ሜላታት እናተራቀቐን ስለዝመጸ፣ መጠነ ወሊድ ካብ መጠነ ሞት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ’ዮም እቶም ተመራመርቲ ዝገልጹ።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0