“ኣብ ግብጺ፣ ልዕሊ 14 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ” UNHCR

“ኣብ ግብጺ፣ ልዕሊ 14 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ” UNHCR

Radio Erena: 22 January 2019

ኣብ ግብጺ፣ ልዕሊ 14, 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ( UNHCR) ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 242 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበረ UNHCR፣ ካብዚኣቶም እቶም ፍርቂ ዜጋታት ሶርያ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ብብዝሖም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ፣ ኣስታት 40 ሽሕ ዝግመቱ ዜጋታት ሱዳን ክኾኑ እንከለዉ፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብተመሳሳሊ ቁጽሪ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ ካብ ደቡን ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝፈለሱ፣ ኣሽሓት ሰባት፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ትሕቲ UNHCR ተመዝጊቦም ምህላዎም ይግለጽ።

UNHCR ነዚ ዝርዝር ዘቕረበ፣ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ትካል ፍሊፖ ግራንዲ፣ ኣብ 13ን 14 ጥሪ ኣብታ ሃገር ዑደት ብምክያድ፣ ኣብ ኩነታት ስደተኛታት ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0