ኣብ ገማግም ኤርትራን ሱዳንን ተርእዮ ናይ በረኻ ኣንበጣ ኣሻቓሊ ምዃኑ ውድብ መግቢ ዓለም ኣጠንቒቑ

ኣብ ገማግም ኤርትራን ሱዳንን ተርእዮ ናይ በረኻ ኣንበጣ ኣሻቓሊ ምዃኑ ውድብ መግቢ ዓለም ኣጠንቒቑ

Radio Erena : 04 March 2015

loc

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ተርእዮ ናይ በረኻ ኣንበጣ ምህላዉ ውድብ መግቢ ዓለም- FAO ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ምስፍሕፋሕ ኣንበጣ ንምግታእ ሓያል ጻዕሪ ከምዝተገብረ ብምጥቃስ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ሱዳንን ግና እቲ ተርእዮ ሕጂ’ውን ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ነቲ ተርእዮ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሎ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እንተኸይዱ ክሳብ ከበሳታት ኤርትራን ሰሜናዊ ክፋል ሱዳንን ክርአ ከምዝኽእል’ውን FAO ኣጠንቒቑ።

 

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረበ እንተሳጊሙ ድማ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክራባሕ ከምዝኽእል ይሕብር።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ’ውን ብመጠኑ ምስፍሕፋሕ ኣንበጣ ንምግታእ ስርሒታት ከምዝተኻየደ’ውን ኣረዲኡ።

ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ዝርአ ኣንበጣ ኣብ ዘራእቲ መተናዊ ጉድኣት ከምዘውርዱ ይጥቐስ’ዩ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0