“ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንሰራዊት ፈረንሳ ዕላማ ዝገበረ’ዩ ኔሩ” ኣልሸባብ

“ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንሰራዊት ፈረንሳ ዕላማ ዝገበረ’ዩ ኔሩ” ኣልሸባብ

Radio Erena: May 29, 2014

Djib

ኣብ ታሪኽ ጅቡቲ ንመጀመርያ እዋኑ ናይ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣልሸባብ ብወግዒ ሓላፍነት ወሲዱ።

እቲ ብ24 ግንቦት ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ንወትሃደራት ፈረንሳ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ዝሓበረ ኣልሸባብ፣ ፈረንሳ ኣብ ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣንጻር ጥሩፋት ጉጅለታት ሰለካን እተካይዶ ዘላ ወታህደራዊ ርሒት ንምቕዋም ዝዓለም ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

ኣብቲ 3 ሰባት ዝተቀትልሉን 15 ድማ ዝቖሰልሉን፣ ኣብ ማእከል ከተማ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃኦቲ፣ ሓያሎ ዜጋታት ፈረንሳ ፈኵስ ጉድኣት ከምዝወረዶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እት ሃገር ኣረጋጊጹ።

 

ኣብታ ደጀን ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ጅቡቲ ከምዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ንመጀምርያ እዋኑ ብምዃኑ፣ ኣተኩሮ ፈረንሳን ሕብረት ኤሮጳን ረኺቡ ኣሎ።

ኣልሽEባብ ኣብ ጅቡቲ ተመሳሳሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝኽእል ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ፈረንሳ ንድሕነት ሰራዊታን ነታ ከም ወትሃደራዊ ደጀን ኣብ ኣፍሪቃ እትጥምታ ጅቡትን ንምክልኻል እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ’ያ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ኣመሪካ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምህዳን ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስርሒታት ከተካይድ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ፈረንሳ ግና ስለያ ዝሓለፈ ወትሃደራዊ ምትእትታው ኣይጸንሓን።

ኣብ 2012 ብኣልሸባ ተታሒዙ ዝነበረ ኣባል ስለያ ፈረንሳ ደኒስ ኣሌክስ፣ ብመንጞኝነት መንግስቲ ኤርትራ ንምፍትሑ ዝተኻየደ ጻዕሪ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ፈረንሳ ኮምንዶ ብምውፋር ንዜጋ ከተድሕን ፈቲና’ያ።

እንተኾነ እቲ ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣባላ ስለያ ፈረንሳ፣ ኣብቲ ስርሒት ከምዝተቐትለ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ኦላንድ ብወግዒ ምግላጹ ይዝከር።
====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0