ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ናትናኤል ብርሃነ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ቅድድሙ ኣቋሪጹ

Radio Erena: 25 May 2021

ካብ 8 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ሓደ ዝኾነ፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ካብቲ ውድድር ከምዝተኣልየ ፈረንሳዊት ጋንትኡ ኮፊዲስ ኣረጋጊጻ።

ናትናኤል፣ ብሰንበት 23 ግንቦት፡ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ፡ መለጋግቦ መንኩብ ከም እተመዛበለ፡ ዝሃበረት ጋንትኡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ንሳልሳይ ግዜ፡ ብሓፈሻ ከኣ፡ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ንመበል ሻብዓይ እዋን ክሳተፍ ዝጸንሐ ናትናኤል፡ ብድሕሪ እቲ ብሰንበት ምስ ካልኦት ብዙሓት ተቐዳደምቲ ዘጓነፎ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ፡ ካብ’ዚ ንመበል 104 ዓመት ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ተኣልዩ ኣሎ።

ናትናኤል ንዝርከቦም ብዙሓት ስሙያት ተቐዳደምቲ ዝለከመ ሓደጋ ምስ ተኸሰተ፡ ነቶም ዝተሃስዩ ንምልዓልን ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሃብን እቲ ቅድድም ን15 ደቓይቕ ደው ክብል ተገዲዱ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ 16 መድረኻት 2,676 ኪሎ ሜትር ሸፊኑ ዘሎ፣ መበል 104 ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ኣማኑኤል ገብረግዜኣብሔርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ነንክለባቶም ብምውካል ቅድድሞም ኣብ ምቕጻል ይርከቡ።

መዘኻኸሪ፣- ወትሩ ሰሉስ ኣብ ራድዮ ኤረና፣ ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ መደብ ስፖርት ተኸታተሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0