ኣብ ጁባ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም

ኣብ ጁባ ሰለስተ ኤርትራውያን ብጥይት ተቐቲሎም።

    እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጥይት ዝተቐትሉ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ መን ከምዝቐተሎም ዛጊት ክንጸር ኣይተኻእለን።

    ከተማ ጁባ ብሰንኪ ዘለዋ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ምስ ስርቂ ዝተተሓሓዘ ብዙሕ ገበናት ቅትለት ዝፍጸመላ እኳ እንተኾነ፣ እዞም ኣብ ንግዲ ክነጥፉ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝተቐትሉሉ ምኽንያት’ውን ምስዚ ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል ኣፈኛ ፖሊስ ጁባ ኮለነል ጄምስ ማንደ ይእንፍት።

    እንተኾነ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ርክብ ዘይብሎም ናጻ ንግዳዊ ንጥፈታት ክመርሑ ንዝደልዩን ኤርትራውያን ስግኣት ንምፍጣር፣ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ጁባ እናሰለኹ ከምዘፈራርሕዎም ብተደጋጋሚ ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ግርማይ ገብረማርያም ኣብ  ጁባ ንግዳውን ትካላውን ንጥፈታት ንዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ብምእካብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ክጽንበሩ ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኡጋንዳ፣ ጁባን ኬንያን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነጋዶ ወነንቲ ሰብ ትካልን ብምፍርራሕን ጸቕጥን ክሕዞም ጻዕርታት ከምዘካይድ ዝፍለጥ’ዩ።

    እንተኾነ እዞም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጁባ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኢድ ኣለዎ ድዩ ዝየብሉን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

    እዚ ቅትለት ናይዞም ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ኣብ ጁባ ንዝርከቡ ማሕበረ ኮም ኤርትራ ዓቢ ስምባደን ስግኣትን የሕዲርሎም ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0