ኣብ ጁባ፣ ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ተወኒኑ ዝጸንሐ 1200 ጠበናጁ ተኣኪቡ

Radio Erena: 17 January 2017

Guns

ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ገዛ ገዛ እናኣተው ኣብ ዘካየድዎ ተፍትሽ 1200 ጠበናጁ ከምዝሓዙ ገሊጾም።

ጸጥታ ከተማ ጁባ ንምርግጋእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፣ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ንዝርከብ ጠበናጁ ንምቁጽጻር ተበግሶ ወሲዱ ይርከብ።

ኣብቲ ብሃንደበት ገዛ ገዛ ብምእታው ዝተኻየደ ተፍትሽ፣ 1200 ዝተፈላለየ ዓይነታት ጠበናጁ ከምዝተታሕዘ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ፖል ማሎንግ ኣረጋጊጹ።

 ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን፣ ብዘይፍቓድ ንዝተወነነ ጠበናጁ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ኣብ ዝፍትሽሉ ዝነበሩ እዋን ምስ ስርቂ ዘረፋን ብዝተተሓሓዘ ገበናት 26 ዜጋታት ሶማልን ኡጋንዳን ምቕያዶም ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ብዘይካ’ዚው’ን ዋንነት መኪንኦም ከረጋግጹ ዘይክኣሉ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ጁባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣመልኪቱ።

ከተማ ጁባ፣ ንዘለዋ ጸጥታዊ ሃጓፋት እናተጠቕሙ፣ ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን ኣብ ምዝራፍ ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ብብዝሒ ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

ምስ ስርቅን ዘረፋን ብዝተተሓሓዘ’ውን ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ዝርከብዎም ሓያሎ ነጋዶን ኣውፈርትን ጉድኣት ክበጽሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0