ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተጨውዮም ዝጸንሑ ክልተ ኬንያውያን ተለቒቖም

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተጨውዮም ዝጸንሑ ክልተ ኬንያውያን ተለቒቖም

Radio Erena: 12 January 2016

Ken Eth

ኣብቲ ንኢትዮጵያን ኬንያን ዘዳውብ ዞባ ማርሳቢት፣ ብዕጡቓቲ ኢትዮጵያ ተጨዮም ዝጸንሑ ክልተ ኬንያውያን ከምዝተለቁ ምክልት ኮሚሽነር እቶ ዞባ ማርክ ዋንጃላ ኣረጋጊጹ።

እቶም ክልተ ኬንያውያን፣ ቦሪ ካብ ዝተባህለት ቁሸት ብ2 ጥሪ ድሕሪ ምጭዋዮም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ደሃይ ኣይጸንሖምን።

ዶብ ኬንያ ጥሒሶም፣ ናብታ ኣብ ከባቢ ሞያለ እትርከብ ቁሸት ዝኣተዉ ዕጡቓት ኢትዮጵያ፣ ነቶም ክልተ ኬንያውያን ከምዝጨወዩዮም መንግስቲ ኬንያ ብኡ ንብኡ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

 

እንተኾነ ብወገን ኢትዮጵያ ዝኾነ መግለጺ ከይተዋህቦ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብ8 ጥሪ ከምዝተለቁ ዝግለጽ ዘሎ።

ክልቲኦም እቶም ንሓደ ሰሙን ተጨውዮም ዝጸንሑ ኬንያውያን፣ ብለይቲ ካብ መኪና ኣውሪዶም ኣብ ከባቢ ዶብ ከምዝሓደግዎም’ውን ምክትል ኮሚሽነር እቲ ዞባ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ከምዝጸንሀ ዘመልከታ ማዕከናት ዜና ኬንያ፣ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ዝጠሓሰትሉ ምኽንያት ተቓወምቲ ኦሮሞ ንምህዳን ብዝብል ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል’የን ዝጠቕሳ።

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብቲ ዘዳውበን ከባቢታት ንዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭታት ንምውጋድ፣ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2015፣ ኣብ ዞባ ማርሳቢት ብምርኻብ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እቲ ስምምዕ ወርሒ ከይመልአ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ብምጥሓስ ክልተ ኬንያውያን ምጭዋዮም፣ እቲ ስምምዕ ከይጠሓሰ ተሰጊኡ’ዩ ጸኒሑ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0