ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ኣሽሓት ሰባት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

Radio Erena: 12 November 2020

ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተሰዱ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ’ዮም ተዓቑቦም ዘለው።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣቐዲሙ፣ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ወትሃደራዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ዕጥቆም ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ጠቒሱ’ዩ።

ኵናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ብዝሒ ናብ ሱዳን ክስደዱ ዝኽእሉ ኢትዮጵያውያን ኣስታት 200 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ምምሕዳር ዞባ ገዳርፍ ግምታቱ ይህብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ከምዘተሓሳሰባ ዝገለጸት ሱዳን፣ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክትወስድ ከምእትደሊን ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ብዛዕባ’ዚ ንዶብ ሱዳን ክጸሉ ዝኽእል ኵናት ብዝምልከት፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ብኢድ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣቢላ ናብ ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብጺሓ።

ብሰንኪ እዚ ኵናት ኣስታት 9 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብሮም ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ዘጠንቀቐ ሕቡራት ሃገራት፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ጸዊዑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ንዝቐረብ ዘሎ ናይ ዘተን ዕርቂን ሓሳብ ደጋጊሙ ነጺግዎ።

ንሰበ ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምእሳር፣ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ሓጺር ክዛዝም ምዃኑ’ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ዝገልጽ። ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፣ ገና ኣብ መጀመርያኡ’ዩ ዘሎ ዝበሉ ሓያሎ ተንተንቲ፣ ነታ ሃገር፣ ናብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ሕድሕዳዊ ግጭትን ምብትታንን ከምርሓ ከምዝኽእል ይእምቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0