ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ብዘጋጠመ ሃደጋ ነፋሪት 41 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ብዘጋጠመ ሃደጋ ነፋሪት 41 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 05 November 2015

Plan Juba

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ፣ ኣቑሑ እተመላልስ ነፋሪት ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም።

እታ ነፋሪት ነፋሪት ትማሊ 04 ሕዳር ኣብ ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ተበጊሳ ናብ ከተማ ፓሎሽ ኣብ ትበረሉ ዝነበረ እዋን’ያ፣ ካብ ጁባ ኣስታት ሓደ ኪሎሜተር ከይርሓቐት’ያ ኣብ ከባቢ ጻዕዳ ናይል ኣብ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ወዲቃ።

ኣብታ ዋንነት ሩስያ ዝኾነት፣ ኣንቶኖቭ ዝዓይነታ፣ ኣቑሑ እትመላልስ ናይ ጽዕነት ነፋሪት፣ ሰራሕተኛታትን ተሳፈርትን ዝርከብውዎም ኣስታት ኣስታት 30 ሰባት ስዒና ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

 

28 ዝኾኑ ካብ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን እታ ነፋሪት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣብ መሬት ካብ ዝነበሩ 13 ሰባት ከኣ በቲ ሓደጋ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ካብ ሃገር የመልክቱ።

ካብቲ ሓደጋ፣ ሓደ ሰራሕተኛ እታ ነፋሪትን ሓደ ተሳፋሪ ቆልዓን ጥራይ ብህወይት ከምዝደሓኑ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኣተኒ ወክ ኣተኒ ገሊጹ።

ጠንቒ ምውዳቕ እታ ነፋሪት፣ ገና ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ ኩነታት ኣየር ወይ ቴክኒካዊ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእ ይግመት።

ብውሕዱ ሓሙሽተ ካብ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ሩስያውያን ክኮኑ እንከለዉ፣ ዜግነት ናይቶም ካልኦት ግና ኣይተፈልጠን።

ሩስያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝወደቀት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪታ’ውን ኣስታት 215 ዜጋታታ ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0