ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ግጭት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩሎም

ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ግጭት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩሎም

Radio Erena : 03 April 2015

yerefcam

ኣብ የመን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣብታ ሃገር ተዓቝቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ወጥሪ ከምዝርከቡ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ የመናውያን ኣብ ልዕሊ ዝተዓቝቡሉ መዓስከር ብዘካየደኦ ደብዳብ ብውሕዱ 45 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ዕቑባት’ውን ብከቢድን ፎኵስን ቆሲሎም።

 

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ዒላምኡ ዝሰሓተን ንስደተኛታትን ተመዛበልትን ግዳይ ዝገበረን ደብዳብ ድሕሪ ምዅናን፣ እቲ ደብዳብ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ሻቕሎት ከምዝፈጠረሎም’ውን ሓቢሩ።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣምኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣብ ሰንዓ፣ ወደብ ሖዴይዳን ጣይዝን ከምዝርከቡ ይግለጽ።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0