ኣብ የመን ኣስፋሕፊሑ ሕማም ሸሮኽ እትሕተተሉ ስዑዲ ዓረብ እያ፣ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ

ኣብ የመን ኣስፋሕፊሑ ሕማም ሸሮኽ እትሕተተሉ ስዑዲ ዓረብ እያ፣ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ

        Radio Erena: 10 July 2017     

       ali abdelah ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ኣብ የመን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ሸሮኽ እትሕተተሉ ስዑዲ ዓረብ እያ ክብል ከሲሱ።

       ንሱ ምስ ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ኣብ የመን ደብዳብ ነፈርቲ ዘካይድ ዘሎ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝውንጭፎ ዘሎ መርዛም ጋዛት፣ እቲ ሕማም ክለዓልን ብናህሪ ክላባዕን ከምዝገበሮ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቃለመጠይቑ፣ ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ ዝወንጨፈቶም ከም ክላስተርን ተርሞባሪክ ዝኣመሰሉ ቦምባታት፣ ኣብ ህዝቢ የመን ከቢድ ጥዕናዊ ሃስያ ከውርድ ዝኽእል ቀመማት ይገድፉ ምህላዎም ገሊጹ።
         ፕረስ ቲቪ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ህዝቢ የመን ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሕማም ሸሮኽ መበገሲኡ መጽናዕቲ ንምግባር ሓደ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ተዋፊሩ ከምዘሎ፣ ክሳብ ሕጂ ረኺቡዎ ብዘሎ መርትዖታት ከኣ ንክሲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዘሐይል ከምዝኾነ ሓቢሩ።
         ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፣ ክሊኒካት፣ ትካላት መጻረዪ ማይ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፣ መዓልታዊ 500 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝጥቅዑ ጌሩ ከምዘሎ ይግለጽ።
         ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት በቲ ተላባዒ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 1600 ከኣ ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመን የመልክቱ።
         ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን እስራኤልን እውን ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባረን ካብቲ ዝተፈጸመ ገበን ናጻ ኣይኮናን ክብል ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ይኸስስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0