ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለምና፣ ዎርልድ ቱር ቲም ናይ ዝቐዳደሙ ብዝሒ ኤርትራውያን፡ ሓሙሽተ በጺሑ

Radio Erena: 14 July 2021

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዎርልድ ቱር ቲም ተጠርኒፎም ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፡ ሓሙሽተ በጺሑ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ3 ኤርትራውያን ዝጀመረ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ምስ ናይ ዓበይቲ ክለባት ዓለምና፣ ዎርልድ ቱር ቲም ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናብ ሓሙሽተ ከምዝደየበ ዝግለጸ ዘሎ፣ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ማልያ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኮንቲነንታል ክለብ ኲቤካ ለቢሱ ክቐዳደም ዝጸንሐ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት 2022 ጀሚሩ፡ ናብ’ታ ዓባይ ክለብ ኲቤካ ኔክስትሃሽ ክሰጋገር ምዃኑ ጋንትኡ ብ13 ሓምለ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።

ወዲ 21 ዓመት ሄኖክ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ “ፋልማይ ፕሮፌሽናላዊ ውዕል ክኽትም ብምኽኣለይ ኣመና ሕጉስ እየ። ምኽንያቱ፡ ወዲ 17 ዓመት ኮይነ ኣብ ኤርትራ እናተወዳደርኩ እንከለኹ ኣትሒዘ፡ ናይ ወትሩ ሕልመይ ስለዝነበረ ክብል ጠቒሱ።

ብሓፈሻ ንስድራ ቤተይ፡ ብፍላይ ድማ ንወላድየይን ሓወቦይን ብዝገበሩለይ ሓገዝ የመስግኖም ዝበለ ሄኖክ ኣብ ብፍላይ ወላዲየይ ኣብ ልዕለይ እምነት ስለ ዘነበረ፡ ንነፍሲወከፍ ሰብ “ሓደ መዓልቲ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክኸውን እዩ” እናበለ ይዛረበለይ ኔሩ ክብል ተዛሪቡ።

ሄኖክ ብዘይካ’ዚ፣ ወላዲኡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝወዳደረሉ መድረኽ ቦኺሩ ከምዘይፈልጥን፣ ቪዛ እንተዝረክብ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገብሮ ውድድራት’ውን መጽዩ ክዕዘቦ ከምዝኽእልን ድሕሪ’ቲ ናብ ናይ ዎርልድ ቱር ቲም ምጥርናፉ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ቅድድም ብሽክለታ ብዙሕ ዓወታት ክጎናጸፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ፣ ሓውኣቡኡ ንዝገበረሉን ዝገብረሉን ዘሎ ፊናንስያዊ ደገፍ ብፍላይ፣ ደገፍቱን ብምልኦምኦም ኤርትራውያንን ድማ ወትሩ ስለ ዘተባብዕዎን ብሓፈሻ ምስጋናይ ይብጽሓዮም።” ኢሉ።

እዚ ኣብ’ዚ ዓመት፡ ኣብ 29 መድረኻት 4,253 ኪሎ ሜትር ዝተጓዓዘ እዚ ተቐዳዳማይ፡ ንክለብ ኲቤካ፡ ኣካየድታ፡ ኣሰልጠንታን ተቐዳደምታን፡ ኣብ ኤውሮጳ ንኽወዳደር፡ ደረጅኡ ንኸዐቢን ሕልሙ ክውን ንኽገብርን፡ ዕድል ስለ ዝኸፈተትሉ ኣመስጊኑ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ዎርልድ ቲም ኲቤካ ኔክስትሃሽ፣ ዳግላስ ራይደር ብወገኑ፡ ሄኖክ ከመዝግቦ ብዝጸንሐ ብሉጽ ውጽኢታት፡ ኣመና ከም እተመሰጡን፡ ፕሮፌሽናላዊ ውዕል ንኽህብዎ ከም ዝደረኾምን ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 3 ግዜ ኣብ ፖድየም ዝደየበን ኣብ 8 መድረኻት ድማ ንውድድሩ ምስ ቀዳሞት ብሉጻት 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ ዝፈጸመን ሄኖክ፡ ተደራራቢ ዓወት ከመዝግብ ብምጽንሑ ካብ ኮንቲነንታል ቲም ናብ ዎርልድ ቲም ክዓቢ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን፡ ማለት ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ኮፊዲስ፣ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣባል ካዛኪስታናዊት ክለብ ኣስታና ፕሪምየር- ቴክ፣ መርሃዊ ቅዱስን፣ ኣባል ኣሜሪካዊት ክለብ ትሬክ-ሴጋፍሪዶ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ብደረጃ ዎርልድ ቱር ክነጥፉ ጸኒሖም።

ኤርትራዊ ክኢላ ሽኳ ቢንያም ግርማይ’ውን ምስ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም ኢንተርማርሸ – ዋንቲ – ጐበርት – ማተሪያውክስ ክጽንበር ተሰማሚዑ ብምህላዉ፡ ኣብ 2022 ዓመተ ምህረት፡ ቁጽሪ ኣብ ዎርልድ ቱር ቲም ተጠርኒፎም ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ካብ 3 ናብ 5 ዓሪጉ ይርከብ።

ኣብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን፣ ካብ ሓንቲ ሃገራት፣ ኣብ ሓደ ዓመት፣ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ ኣብ ዎርልድ ቱር ቲም ክጥርነፉ እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0