ኣብ ዓመተ 2016፣ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ናይ ወጻኢ ሃገር ዘይምንባሩ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 24 November 2016

Isu Alone

ኣብ ዓመተ 2016፣ ዝኾነ መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዘይምብጽሑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባውን ኣህጉራዊን ዝምድናታት ተነጺሉ ከምዘሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣረዲኦም።

ኣብ 18 ታሕሳስ 2015፣ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ክሳብ ሎሚ 24 ሕዳር ፣ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገር የለን።

ብተመሳሳሊ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠርን ሕቡራት ኢማራትን ናብ ሰለስተ ሃገራት ጥራይ ዑደት ምክያዱ፣ እቲ መንግስቲ ማዕረ ክንደይ ተነጺሉ ከምዘሎ ዘራጉድ ምዃኑ’ውን እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣገንዚቦም።

እዚ ድማ ምስቲ ኤርትራ ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ የመን እትህቦ ዘላ ኣገልግሎት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይንገር።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ እዮቤልዩ፣ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ንሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ክሳተፉ ዕድመ እኳ እንተቕረበሎም፣ ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፈ መራሒ ሃገር’ውን ኣይነበረን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ዋዕላታት ኣይተሳተፈን።

እዚ ድማ ኤርትራ፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ተነጺላ ምህላዋ’ዩ ዘርኢ።

ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ዝበዝሐ ዘካየደቶ ምንቅስቓስ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ’ዩ ኔሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ወጻኢ ሃገራት ናይ ስዊዘርላንድ፣ ፊንላንድ፣ ጀርመንን ነርወይን ኮይኖም ሚኒስተራት ቁጠባ፣ ምትሕግጋዝን፣ ስደተኛታትን ዘጠቓለሉ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0