ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ብድምቐት ይጽምብላ ኣሎ

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 23 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ብድምቐት ይጽምብላ ኣሎ

Radio Erena: May 23, 2014

Inde 23

ኣብ ውሽጢ ሃገርን መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብክብ ዝበለ ይጽምብላ ኣሎ።

ኣብ እቶም ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ፣ ብኤምባሲታት ኣብ ዝተወደበ ዝተፈላለየ መደባት ብምስታፈ ነዛ ዕለት ክጽምብልዋ እንከለዉ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ መሰል ዜጋታት ዝኽበረሉ ምሉእ ሓርነት ዝረጋገጸሉ መንገድታት ብምቁማት’ዩ ንመዓልቲ ናጽነት ዝጽምብላ ዘሎ።

 

እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብዞባታትን ምምሕዳራትን ተወዲቡ ነዚ ዕለት ክጽምብሎ እንከሎ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብዘለዎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብሓደ ሓቢሩ ዘይኮነ፣ ብስም ደገፍቲ መንግስት ተቓወምትን ተኸፋፊሉ ይጽንብሎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ እስራኤል ኢትዮጵያ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መዓልቲ ናጽነት ንምብዓል ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ከምዘለዉ’ውን ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ሬድዮ ኤረና’ውን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እናቛዕ ናብዚ ክቡር ዕለተ ናጽነት ኣብጽሓና ትብል።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0