ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ሱዳን ፣ ብዘይካ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ብምሉኦም መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ክሳተፉ ምዃኖም ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 October 2016

Gandor

ኣብ 10 ጥቅምቲ ኣብ ዝጋባእ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ሱዳን ፣ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ክሳተፉ ዕድመ ቀሪቡሎም።

ኣብቲ ዋዕላ፣ መራሕቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵታ፣ ቻድ፣ ኡጋንዳን ሞሪታንያን ከምኡ ድማ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ክሳተፉ ምዃኖም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ሓቢሩ።

ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግና ኣብዚ ናይ ሱዳን ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ፣ ከምዘይሳተፍ’ዩ ዘመልክት መግለጺ እቲ ሚኒስተር።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኩሎም ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን እታ ሃገር ዝሳተፍዎ ዋዕላ ንሃገራዊ ዘተ ንምእንጋድ ኣብ ጥሪ 2014 ተበግሶ ከምዝወሰደ ይዝከር።

እንተኾነ ኣብዚ ሃገራዊ ዘተ ሓያሎ ጸለውቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ከምዘይሳተፋ ብኣግኡ ኣፍሊጦም’ዮም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0