“ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ንዘላ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምትዕራቕ ክንሰርሕ ኢና” ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ

“ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ንዘላ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምትዕራቕ ክንሰርሕ ኢና” ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ

Radio Erena: 03 August 2018

Abiy Ahmed

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ልክዕ ከም ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ንዘላ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምትዕራቕ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ናይ ኣመሪካ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነዛ ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስትያን፣ ኣብ ክልተ ከፋፊልዋ ዘሎ መናድቕ ኣፍሪስና፣ ብወገኖም’ውን ፍቓድ ስለዘሎ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሓድነት ንምጽኣ ክንሰርሕ ሓላፍነት ኣሎና ክብል ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ብምምእታው፣ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንሱ ብዝመዘዞም ጳጳሳት የመሓድራ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ንዘላ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንምሕባራ ክሰርሑ ምዃኖም ዝገልጽ ዘሎ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተኸፋፊላ ዝጸንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምሕባራ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ፓትርያርክ ናብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላሶም’ዮም።

ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ልኡኻታ ናብ ኣስመራ ክትሰድድ ከምዝእትኽእል ግምታት ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መራሕቲ መካነ የሱስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ከምዝተራኸቡ ተፈሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0