ኣብ ክልል ዓፈር ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፣ ተላባዒ ሕማም ከም ዝኣተዎም ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ

Radio Erena: 05 July 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፈር ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፣ ተላባዒ ሕማም ኣትዩዎም ምህላዉ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ህጻናት ጥራይ ክረአ ዝጸንሐ እቲ ናይ ምልባዕ ባህርያት ዘለዎ ሕማም፣ ናብ ዓበይቲ እውን ክመሓላለፍ ጀሚሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፣ ኣብ ክልል ዓፈር ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከምዝዳጎኑ እዩ ተገይሩ።

ገለ ካብ’ቶም ተወላዶ ትግራይ፣ ብገበን ዝሕተቱ ኣለዉ ብዝብል ምኽኒያት፣ ዝኾነ ሰብ ካብቲ መዓስከር ክንቀሳቐስ ፍቑድ ስለዘይኮነ፣ ካብ መዓስከር ዝያዳ ናብ ሰፊሕ ቤት ማእሰርቲ ይቐርብ ክብሉ’ዮም ተጣበቕቲ መሰላት ዝገልጹዎ።

ኣካየድቲ መዓስከር ስደተኛታት ሰመራ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ኣብቲ መዓስከር ግቡእ መደቀሲን ስሩዕ ኣመጋግባን ንኽህሉስ ይትረፍ፣ ሓሚሙ’ኳ ሰብ፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ቦታ ከምዘየለ ሓቢሮ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክሳብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፣ ኣብ መዓስከር ሰመራ፣ ብሰኪ’ዚ ተላባዒ ሕማም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ናይ ጥንስን ሕርስን እዋን ዝርከባ ኣዴታት፣ እቲ መዓስከራት ልዕሊ ዓቕሙ ሰብ ሒዙ ስለዘሎ፣ ምስ ጻዕቂን፣ ዋሕዲ ቀረባትን ተደሚሩ፣ ኣብ መከራ ወዲቐን ምህላወን እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0