ኣብ ክልል ኦሮምያ ዕጡቓት ብዘካየዱዎ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 06 July 2022

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

አብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፤ ኣብ ዓሌት ዝሰረተ ግርጭት ብሰፊሑ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ሓድሽ ብዝተላዕለ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም።
ቀንዲ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፣ ናብ ናይ ኣምሓራ ትውልዲ ዘለዎም ምዃኑ ዝገለጹ ተጣበቕቲ መሰላት’ታ ሃገር፣ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝተኻየደ እዩ ካብ ምባል ሓሊፎም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ በቲ ‘መቕዘፍቲ’ ኢሉ ዝሰመዮ ገበናት፣ ተሓታቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞ እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ብሰኑይ ወጋሕታ ሰዓት 4 ከምዝጀመረ ዝግለጽ ዘሎ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት፣ እቶም ዕጡቓት፣ ኣዴታት፣ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ብዘይ ኣፈላላይ ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ገሊጾም።
ክሳብ 70 ዝበጽሕ ኣባይቲ ናይቶም ግዳያት እውን ብሓዊ ከምዝተቓጸለ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም።
እዚ ኣብ ቀለም ወለጋ ዝተባህለ ዞባ ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሞት ሰላማውያን ሰባት፣ ገና ምእራይ ሬሳታት ስለዘይወዳእና፣ ክንደይ ከምዝተቐትሉና’ውን ኣይንፈልጥን፣ ክብሉ’ዮም ካብቲ ፍጻሜ ዘምለጡ ንኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ቃሎም ዝህቡ ዘለዉ።
ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ቁጽሪ ምዉታት የለን።
ተመሳሳሊ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ክልተ ቅነ ኣብ ዘይመለአ ግዜ ምፍጻሙ ዘዘኻኸሩ ተጣበቕቲ መሰላት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ነዚ ናይ ብሄር ግጭታት ብኣግኡ ደው እንተዘየቢሉዎ፣ በሰላኡ ንዘበናት ነታ ሃገር ከሳቕያ እዩ ብምባል የጠንቅቑ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0