ኣብ ኬንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ብዘይብሎም ሶማላውያን ዝጀመረ ግፋ ናብ ኤርትራውያን ልሒሙ

ኣብ ኬንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ብዘይብሎም ሶማላውያን ዝጀመረ ግፋ ናብ ኤርትራውያን ልሒሙ

Radio Erena: April 9, 2014

Kenya arrested 3000

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ነናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝብል ትእዛዝ ድሕሪ ምምሕልላፉ፣ ትማልን ቅድሚ ትማልን ልዕሊ 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን ምስ ሶማላውያን ተገፊፎም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣብ ከባቢታት ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ፣ ኤስቲሌግ ካብ ዝተባህለ ቦታን ካልእ ክፋል እታ ከተማን ዝተገፉ ኤርትራውያን ናብቲ ኣስሓት ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ተታሒዞምሉ ዘለዉ ስታድዮም ካሳራኒ ከምዝተወስዱ’ውን ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

ኬንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ንዝበለቶም ኣስታት 3000 ዜጋታት ሶማል ድሕሪ ምግፋፋ፣ እቲ ግፋ ናብ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ውን ልሒሙ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኬንያ ዓሊ ኣመሪኮ ድማ ዜጋታቱ ብዝቐልጠፈ ናብ ዓዶም ክፋነዉ ክጽዕር ምዃኑ ገሊጹ።

ፖሊስ ኬንያ እቲ ግፋ ክቕጽል ምዃኑ ብምጥቓስ፣ ዕላማ እቲ ግፋ ብወጻእተኛታት ዝፍጸም ሽበራን ካልእ ገበናትን ንምውጋድ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ግፋ ኩነታት ኣሻቓሊ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0