ኣብ ካናዳ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ማሕበር ኣቝመን

ኣብ ካናዳ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ማሕበር ኣቝመን

Radio Erena: 22 August, 2014

eri women in Cana

ኣብ ካናዳ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ብዛዕባ ጉዳያተን ንምምይያጥ ማሕበር ከምዘቖማ ካብ ከተማ ቶሮንቶ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እታ ብደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ደቂንስትዮ ቆይማ ዘላ ማሕበር፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ንዘሎ ዝተፈላለየ ጉዳያት እናልዓለት ብምዝታይ፣ ፍታሕን ንምንዳይ ከምእትሰርሕ’ዩ ተገሊጹ።

እዛ ‘ስኒት’ ብዝብል ስም ቆይማ ዘላ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ፍልልያትን ብዙሕነትን ከም ጸጋ እትቕበልን፣ ኣብ ሓድነት ድማ እትእምንን ብምዃና፣ ኣብ ካናዳ ዝርከባ ደቂንስትዮ ብብዝሒ ክጽምበርኣ መስረቲ ናይቲ ማሕበር ዘለወን ተስፋ ምግላጸን’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

 

እታ ማሕበር ብቀዳም 16 ነሓሰ ብወግዒ ኣብ ቶሮንቶ ዝተመስረተትሉ፣ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ካናዳን ኣመሪካን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ማዕረ’ቲ ኩሉ ኤርትራዊ ግዳያት ስደትን ሳዕቤናቱን ኣብ ዝኾናሉ ዘለዋ እዋን፣ ኣብ ዘዝርከባሉ ዓድታት ብማሕበር ይኹን ካልእ መልክዕ እናተጠርነፋ፣ ኣብ ጉዳያተን እሂን-ሚሂን ዝብላሉ መድረኻት ክፈጥራ’ውን እዚ ኣብ ካናዳ ቆይሙ ዘሎ ማሕበር ደቂንስትዮ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ጽቡቕ ኣብነት’ዩ።

 

-ስእሊ ካብ መርበብ ሓበሬታ መፍትሕ ዝተወስደ

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0