“ኣብ ካርቱም ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ይነብሩ፣” ኣማሓዳሪ ዞባ ካርቱም

“ኣብ ካርቱም ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ይነብሩ፣” ኣማሓዳሪ ዞባ ካርቱም

Radio Erena: 27 November 2015

Khartoum

ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ጥራይ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ይነብሩ ከምዘለዉ ንኣምሓዳሪ ዞባ ካርቱም ሌተናንት ጀነራል ዓብዱራሒም መሓመድ ሑሰን ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሱዳን ቪዥን ሓቢሩ።

ኣብ ካርቱም ብድምር ኣስታት 3 ሚልዮን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዘለዉ ዝሓበረ ሰነደ ፖሊስ ከኣ፣ እቶም 2 ሚልዮን ካብዚኣቶም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣስታት 200 ሽሕ ከኣ ኤርትራውያን ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ኣብታ ከተማ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታትን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታትን፣ ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ ሱዳን ዘሻቕሎ ጉዳይት ምዃኑ’ውን ጸብጻብ ሱዳን ቪዥን የመልክት።

 

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብስግረ ዶብ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዝሰግሩ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 5 ሽሕ ዝበጽሕ ኮይኑ፣ መብዛሕቶም እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን’ውን ከኣ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ መዓስከራት ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብመንገዲ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው፣ መሊሶም ናብ ሱዳን ከምዝሰግሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ደላሎ ወይ ሰምሰርቲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ’ዮም።

ዋሕዚ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ግኑን እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ስለዝሓቱ ንብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣጋኒንዎ ይርከብ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0