ኣብ ካምፓላ ዝተኻየደ ክልተ መጥቃዕታት፣ ‘ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት’ ዝተባህለ እስላማዊ ምንቅስቓስ ፈጺሙዎ ክብል ፖሊስ ገሊጹ

Radio Erena: 28 October 2021

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ፣ ዝተፈጸመ ክልተ መጥቃዕታት፣ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ እዩ ፈጺሙዎ ክብል፣ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ብ23 ከምኡ ድማ 25 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሓደ ባርን ኣብ ኣውቶቡስን ዝተፈጸመ ክልተ መጥቃዕታት፣ ብኣዛዚ ናይቲ ኪዳን፣ መሓመድ ንካሉቦ ዝተወጠነ ምዃኑ፣ ኣፈኛ ፖሊስ እታ ሃገር ፍረድ ኢናንጋ፣ ብ26 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ወቒሱ።

እቲ ኪዳን ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝገለጸ ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክያድ ተሓባቢሮም ንዝበሎም ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ካምፓላ፣ ተወሳኺ መጥቃዕታት ከይካየድ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ ኣብ ‘ተጠንቀቕ’ ይርከቡ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ክልተ መጥቃዕታት ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ቆሲሎም።

ኣብ 1995 ከምዝተመስረተ ዝንገረሉ ‘ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት’፣ ፈለማ ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ክንቐሳቐስ ከምዝጀመረን ድሒሩ ድማ ክሳብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ከምዘስፋሕፈሐን ሰነዳት የመልክቱ።

እቲ ኪዳን፣ ጥሩፍ እስላማዊ ሓሳባት ንምስፍሕፋሕ ከምዝንቐሳቐስ ዝወቅስ መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ምስ ኣህጉራውያን ሽበራውያን ጉጅለታት ብሓባር ዝሰርሕ ሽበራዊ’ዩ ክብል’ዩ ኣብ መዝገብ ገበነኛታት ኣስፊርዎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0