ኣብ ካሌ፣ ኣብ ሞንጎ ስደተኛታት ብዝተጎሃሃረ ግጭት ሓደ ኢትዮጵያ ተቐቲሉ፣ ሽዱሽተ ቆሲሎም

ኣብ ካሌ፣ ኣብ ሞንጎ ስደተኛታት ብዝተጎሃሃረ ግጭት ሓደ ኢትዮጵያ ተቐቲሉ፣ ሽዱሽተ ቆሲሎም

Radio Erena: 26 July 2016

Calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ፈረንሳ ወደብ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ኣብ ሓድሕዶም ብዘካየድዎ ግጭት ሓደ ኢትዮጵያ ክቕተል እንከሎ ሽዱሽተ ካልኦት ከኣ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰኑይ 25 ሓምለ ምሸት ጀሚሩ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን ዝቐጸለ ግጭት፣ 37 ዓመት ዝዕድሚኡ ኢትዮጵያዊ ስደተኛት ብኻራ ተወጊኡ ድሕሪ ምቕታሉ ከምዝበኣሰ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ዝቐጸለ ግጭት ናይ ዝቖሰሉ ሽዱሽተ ሰባት ዜግነት ኣይተሓበረን።

ኣብቲ ግጭት ኣስታት 200 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳን ኣፍጋኒስታንን ከምዝተሳተፉ ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ጠንቒ’ቲ ግጭት ብንጹር እኳ እንተዘይሓበሩ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኢትዮጵያን፣ ሱዳንን ኤርትራን በቲ ሓደ በቲ ካልእ ከኣ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፣ ምስ ስርቂን ምስግጋር ሰብን ዝተተሓሓዘ ጽልኢ ከምዝጸንሐ ሬድዮ ኤረና ካብ ካሌ ዝተወከሰቶም ስደተኛታት የረድኡ።

ኣብ ካሌ፣ ኣብ ሞንጎ ስደተኛታት ተደጋጋሚ እዋን ግጭት ከምዝካየድ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ፈረንሳ ንካሌ ጠቕሊሉ ንምዕጻው ዘውዝኦ መደብ ክዕወት ብዘይምኽእሉ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ ኣማኢት ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብታ ወደባቲት ከተማ ደጊሞም ክተኣኻኸቡ ይርኣዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካሌን ከባቢኣን መብዛሕቶም ዜጋታት ሱዳን፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣለዉ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካሌ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጎደለ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ስደተኛታትትን ፈረንሳ የመልክት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0