ኣብ ከባቢታት ኣስመራ፣ጸገም መጓዓዝያ እናገነነ ከምዝመጸ ተሓቢሩ

ኣብ ከባቢታት ኣስመራ፣ጸገም መጓዓዝያ እናገነነ ከምዝመጸ ተሓቢሩ

Radio Erena: February 10, 2014

Bus Station

ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ብፍላይ ድማ ናብ ከባቢታት እምባደርሆ፣ ዓዲ ኣቤት፣ ቪላጆን ቁሸትን ዘሎ መስመር መጓዓዝያ ኣብ ኣዝዩ ዝከፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ መስመራት’ዚ ኣቐዲሙ’ውን ጽቡቕ ዋሕዚ መጓዓዝያ እኳ እንተዘይጸንሖ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፣ ህዝቢ ኣውቶቡስ ንምርኳብ ኣብ ከባቢ ሜዳ ኤርትራ ንሰዓታት ዝጸንሕ ሪጋ ጌሩ ከምዝውዕል እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ብኣውቶቡስ ፍርቂ ሰዓት ጥራይ ዝወስድ ጉዕዞ፣ ኣውቶቡስ ንምርካብ ግና ክሳብ 3 ሰዓታት ዝጸንሕ ሪጋ ከምዘሎ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

 

ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ንምጉዓዝ፣ ሪጋ ምውዓልን ምሕዳርን ከም ንቡር ዝተወስደ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኣብ ውሽቲ ኣስመራ ብኣውቶቡስ ንምንቕስቓስ’ውን ሪጋ ይዝውተር ምህላዉ ይግለጽ።

ብፍላይ ህዝቢ ንስራሕን ካልእ ጉዳያት ብጻዕቒ ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ ሰዓታት፣ ኣውቶቡ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ርእሲኡ’ውን፣ ታክሲ ናብቲ ዝቐረበን ጥጡሕ ጽርግያ ዘለዎም ጥራይ ስለዝመርጹ፣ ነብርቲ እምባደርሆ፣ ቁሸት፣ ቪላጆን ዓዲኣቤትን ዘጠቓለለ ከባቢታት ኣስመራ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንምርካብ ተጸጊሞም ምህላዎም ይጥቐስ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0