ኣብ ከረን ከባቢ ቃጼታይ ዝርከብ መቓውር ክፈሓርን ኣስከሬኑ ድማ ስድራቤታቶም ከልዕልዎን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ኣብ ከረን ከባቢ ቃጼታይ ዝርከብ መቓውር ክፈሓርን ኣስከሬኑ ድማ ስድራቤታቶም ከልዕልዎን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

Radio Erena: April 16, 2014

Keren Cementry

ኣብ ከረን፣ ከባቢ ቃጼታይ ልዕሊ እንዳማርያም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝርከብ ናይ ቀደም መቓብር ክፈሓርን ኣስኬሬኑ ድማ ስድራቤታቶም ከልዕልዎ ከምዝተነግሮምን ሓያሎ ስድራቤታት ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋል ብምረት ገሊጾም።

እቲ ብመንገዲ ምምሕዳር ከረን ዝተመሓላለፈ ዘዋሪ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ናይ ነዊሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መቓብር፣ ክፈሓርን ኣብኡ ዝጸንሐ ኣስክሬራን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ስድራቤታቶም ከልዕልዎን ዝተነግረሉ ምኽንያት፣ እቲ መሬት መንግስቲ ደልዩ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት’ዩ።

ሓያሎ ስድራቤታት ናይ ተቓውሞ ምልክታት ከርእዩ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ፣ ኣስከሬን ስድራቤታቶም ከልዕሉ እንተዘይክኢሎም መንግስቲ ብግሬደራት ፍሒሩ ነቲ ኣስከረን ኣብ ሓደ ጋህሲ ክእክቦ ምዃኑ’ውን ኣጠንቒቑ።

 

ኣብ ከረንን ከባቢኡ፣ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለ ሰፊሕ መሬት እንሃላወ፣ ነቲ ኣብ ቃጼታይ ልዕሊ እንዳማርያም ቤተ ክርስትያን ዝርከብ ናይ ቀደም መቓብር ምፍሓር ዘድለየሉ ምኽንያት ንህዝቢ ኣስደሚምዎ ኣሎ።

ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ከይሓለፈ ኣብ እዋን ጾምን ሕማማትን፣ ብዛዕባ ምፍሓር መቓብርን ምእካብ ኣስከሬንን ዘዋሪ መልእኽቲ ምትሕልላፉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተኣኪቦም እዝግዮ እናበሉ ምዕዝምዛማቱ የስምዕ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከረን ንነዊሕ ዓመታት ኣሲርዎም ካብ ዝጸንሐ ዶክተር ዑመረዲን ኢብራሂም፣ ዘርኡ ብኢዱ፣ ዶክተር ዓብደላ ጅምዕን ኣቡበከር በሪኽን ዝርከብዎም ኣስታት 10 ኤርትራውያን ከምዝተፈትሑ ይግለጽ ኣሎ።
====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0