ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 12 May 2015

ErIsra12

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዉያን፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

እቲ ብደለይቲ ፍትሒ ተወዲቡ፣ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝተባሕተ ስልጣን ንኸብቕዕ ዝጽውዕ ምንባሩ እቲ ካብ ቴልኣቪቭ ዝተላእከልና ሓበሬታ የመልክት።

ኣብቲ ኣብ ጎደና ኢጋል ኣሎን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ሰለማዊ ሰልፊ ኣማኢት ኤርትራውን ተሳቲፎም።

 

እቶም ኤርትራውያን ኣቐዲሞም’ውን ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪን ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዕሽን ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዶም’ዮም።

ኣብዚ ትማሊ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ’ውን ነቶም ግዳያት ደጊሞም ብምዝካር፣ ስደትን ምጉስቛልን ኤርትራውያን መንእሰያት ከብቕዕ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክህሉን ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትከልን ዝጽውዕ ጭርሖታት ኣልዒሎም።
======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0