ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናብ ዓዶም ክምለሱ ትጽቢት ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 August 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ዝጸንሑ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናብ ዓዶም ክምለሱ ትጽቢት ከምዘሎ፣ ንሰነድ ነቲ ጉዳይ ከተጻሪ ዝተመዘዘት ኮሚተ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ኣፍሊጡ።

እቶም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል፣ ክምለሱ ምዃኖም ዝግለጽ ዘሎ፣ ብዛዕባ ሃለዋቶም ብዝምልከት፣ ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ኣዘራረቢ ጉዳይ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብልክዕ ዝምለስሉ ዕለት ግና ኣይተነጸረን።

ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል፣ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾነ፣ ክዝተየሉ የብሉን ክብል ሚኒስተር ዜና ዑስማን ኣቡበከር ዱበ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣባላት ፓርላማ ሶማልን ወለዲን፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕን ሃለዋት ናይቶም ናብ ኤርትራ ምስ ተላእኩ ኣብ ኵናት ትግራት ተሳቲፎም’ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራትን ብዝምልከት መንግስቲ መብርሂ ክህብ ይደፍእሉ ኣለዉ።

ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀሚርካ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ይኹን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገርን ዝርከቦም፣ መብዛሕቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲን ኣዝዝቲ ሰራዊትን ሶማል፣ ብዛዕባ ምልኣኽ ወትሃደራት ሶማል ናብ ኤርትራ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም’ዮም ገሊጾም።

እቲ ንኣስታት 2 ዓመታት ብምስጢር ዝቐጸለ ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ስልጣኑ ዝእለ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን ሓላፊ ስለያኡ፣ ፋሃድ ያሲንን ጥራይ ዝከታተልዎ ጉዳይ ምዃኑ’ዩ ጋረወ ኣመልኪቱ።

ናብ ኤርትራ ካብ ዝተላእኩ ልዕሊ 5 ሽሕ ዝተገመቱ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምስታፎም፣ ኣማኢት ካብኣቶም ከምዝሞቱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሶማል ይጠቕሳ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0