“ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ኣረጋጊጽና ኢና።” ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሮበርት ጎደክ

Radio Erena: 06 July 2021

ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሶማላውያን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ከምዝተሳተፉ ኣመሪካ ከተረጋግጽ ከምዝኽኣለት፣ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሮበርት ጎደክ ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ነዚ ዝገለጸ፣ ናይ ሶማል መበቆል ዘለዋ፣ ህብብቲ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ፣ ኢልሃም ዑመር፣ ድሕሪ ዘቕረበትሉ ሕቶ ምዃኑ ሶማል ኣልዮም ዝተባለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣባላት ፖሊስ ንኸሰልጥን ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ንኽልእኽ ዝኸተሞ ስምምዕ፣ ንኣመሪካ ከምዝበጽሓ ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን፣ ድሒሩ ግና እቶም ሶማላውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝተወልዐ ኵናት ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብወገኑ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ታዕሊም ሃዲዶም ዝበሎም ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ኣቐሪቡ’ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራን ንታዕሊም ዝተላእኩ ይኹን ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሶማላውያን ወግዓዊ መብርሂ ክህብ፣ ብወለዲ፣ ኣባላት ባይቶን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ጸቕጢ ይካየደሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ ብወገኑ፣ ነቲ ጉዳይ እተጻሪ ኮሚተ ኣቝሙ ይርከብ።

እታ ብሚኒስተራት ምክልኻልን ውሽጣዊ ጉዳያትን፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል ከምኡ ድማ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝቖመ ኮሚተ፣ እተካይዶ ዘላ ምጽራይ ምስ ዛዘመት፣ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ጸብጻብ ከተቕርብ’ያ።
=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0