“ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ 420 ወትሃደራት መንግስቲ የመን ናብ ዓደን ተመሊሶም፣” ጋዜጣ ዓደን ኣልቓድ

“ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ 420 ወትሃደራት መንግስቲ የመን ናብ ዓደን ተመሊሶም፣” ጋዜጣ ዓደን ኣልቓድ

Radio Erena: 24 November 2015

Yemeni army

ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ 420 ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ የመን ናብ ከተማ ዓደን ከምዝተዋፈሩ ተሓቢሩ።

ብቋንቋ ዓረብ እትሕተም ጋዜጣ “ዓደን ኣልቓድ” ኣብ ናይ 22 ሕዳር ሕታማ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ፣ እቶም ኣብ ከባቢ ዓሰብ ንክልተ ወርሒ ዝሰልጠኑ ወትሃደራት መንግስቲ የመን፣ ኣብ ኣሃዱ ፍሉይ ሓይልታት ተመዲቦም፣ ኣብ ሓለዋን ጸጥታን ኣገደስቲ ጽፍሕታት ክዋፈሩ’ዮም።

እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ካልኣይ ዙርያ ሰልጠንቲ ወትሃደራት መንግስቲ የመን፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኤርትራ ክልኣኹ ምዃኖም ጠቒሳ።

 

ኤርትራ፣ ምስቲ ብስዒዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ትተሓባባር ከምዘላ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ወትሃደራዊ ኣበርክቶ ኤርትራ ግና ብንጹር ክሕበር ኣይጸንሐን።

ይኹን”ምበር፣ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ንወደብ ዓሰብ ከባቢታቱን ክጥቐመሉ ፍቓድ ከምዝሃበት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0