ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣባላት ኦነግ ኣብ ኣፋምቦ ተኣሲሮም ምህላዎም ተገሊጹ

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣባላት ኦነግ ኣብ ኣፋምቦ ተኣሲሮም ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 17 March 2015

kema

ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ግንባር ሓርነት ኦርሞ፣ ኣብ ኣፋምቦ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቀይዶም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ቁጽሮም ብልክዕ ክፍለጥ ዘይተኻእለ ኣባላት ኦነግ፣ ካብቲ ምግምማዕ ኣጋጢምዎ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ሓይሊ ክወጹን ብረቶም ከረክቡን ብተደጋጋሚ እዋን ክሓቱ ዝጸንሑ’ዮም።

ግንብራ ሓርነት ኦሮሞ፣ ድሕቲ ኣብ 2005/2006 ዘጋጠሞ ምግምማዕ፣ እቲ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበረ ዝተዓብለለ ገለ ክፋል ኦነግ ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሱ ክቕጽል ክውስን እንከሎ፣ እቲ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ሓይሊ ዝወነነ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ካልእ ወገን ድማ ካብቲ ናይ ኤርትራ ክፍለ ከምዝወሰነ ዝዝከር’ዩ።

 

እቲ ብብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ክፋል ኦነግ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ውሳኔታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ፣ ተደጋጋሚ እዋን ሓያሎ ካብ ኣባላቱ ክእሰሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ኣዝዮም ብዙሓት ኣባላት እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ኦነግ’ውን ናብ ዝተፈላለየ ተልእኾታት ምስ ተዋፈሩ ብመንገዲ ኬንያ ኣቢሎም ከምዝጠፍኡ’ዩ ዝንገር።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ኦነግ፣ ካብቲ ወጻኢ ምስ ዝመደበሩ ብዋና ጸሓፊ ናይቲ ግንባር ዳዊድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ ድሕሪ ምፍላዩ፣ ምስ ግንቦት ሸውዓተን ኣርበኞች ግንባር ዝተባህሉ ተቓውምቲ ውድባት ኣምሓራ ንምጽናብር ተደጋጋሚ እዋን ድፍኢታት ክግበረሉ እኳ እንተጸንሐ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተዓወተን።

ብፍላይ መብዛሕቶም ሓለፍቲ ናይቲ ብኣርበኞች ግንባር ዝፍለጥ ካብ ብሄረ ኣምሓራ ዝተኣኻኻቡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክሳነዩ ብዘይምክኣሎም ኣብ ቀይዲ ስለዝኣተዉ ድሕሪ ምእታዎ፣ ንኦነግ ዓቢ ስኽፍታ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዝልዓለ ኣተኩሮ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዛዝይሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብዙሓት ኣባላትን መራሕትን ኦነግ ተቓውሞታቶም ክገልጹ ምጽንሖም’ዩ ዘመልክት ዝተላእከልና ሓበሬታ።

ብሰንኩ ድማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ መስሪትኩምን ናብ ኢትዮጵያ ክትሃድሙ ሓሲብኩምን ብዝብል ክስታት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኣባላት ኦነግ ኣብ ኣፋምቦ ተኣሲሮም ይርከቡ።

ገለ ካብዞም ኣብ ኣፋምቦ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ኦነግ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሑ ምዃኖም’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቕስ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0