ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ሞባይል ካርድታት መሊሱ ይብእስ

ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ሞባይል ካርድታት መሊሱ ይብእስ

Radio Erena: 27 November 2015

Rigatat

ኣብ ኤርትራ ኣጋጣሚ ዝቀነየ ዋሕዲ ናይ ሞባይል ካርድታት መሊሱ ብኢሱ።

ካርድ ናይ ሞባይል ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተሳእነሉ ምክንያት ንጹር ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፣ ምስ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ተተሓሒዙ ዝተኸስተ ጸገም ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዱኳናት ዝሽየጥ ዝነበረ ሞባል ካርድ፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ፣ ኣብ ትካላት ኤሪቴል ጥራይ ይርከብ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ካርድ ንምዕዳግ ኣብ መሳርዕ ክውዕል፣ ምጽንሑ ኣቐዲሙ ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

 

110 ናቕፋ ዝነበረዋ ዋጋ ሞባልይ ካርድ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ 200 ናቕፋ ይሽየጥ ምህላው’ውን ካብ ኣስመራ ዝተላእከላ ጸብጻብ የመልክት።

ምስ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ተተሓሒዙ፣ ዘይምርግጋእ ዕዳጋ ተራእዩ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ህዝቢ፣ ኣብ ኢዱ ዝጸንሑ ባጤራ ናቕፋ ናብ ባንክታት ንምእታውን ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ንምቕያሩን ኣብ መሳርዕ ይውዕልን ይሓድርን ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብኣሳእል ኣሰንዮም ሓበሬታ ምስዳዶም ኣቐዲሙ ተቃሊሑ’ዩ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0