ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ዝሓጸረ ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ወለዶም ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ ምዃኖም ኣጠንቂቖም

Radio Erena: 03 November 2022

ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ወለዶም ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።

እቶም ወለዲ፣ ኣብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ከተግብር እንተዘይክእሉ፣ ተቓውሞ ክካዱ ምዃኖም ከምዝሓበሩ መርበብ ዜና ሶማሊ ጋርድያን ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ወትሃደራት ሶማል ብዝቐልጠፈ ከምልሶም ምዃኑ’ዩ ተመባጺዑ።

ኣብ መፋርቕ ሓምለ፣ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ እቲ ፕረዚደንት፣ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ምስ ወለዲ እቶም ወትሃደራት ብምርኻብ፣ ነቶም ሶማላውያን ንምምላሶም ይሰርሕ ከምዘሎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ኣብ ሶማል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእ ብዝብል፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቶም ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ክመልሶም ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ምምላስ እቶም ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ሶማላውያን ወትሃደራት ክትትሓባበሮም ድማ ብወግዒ ሓቲቱ።

ካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ንስልጠና ከምዝኣተዉ ዝተሓበረ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ደሃዮም ምስ ጠፍአ፣ ወለዶም ብፍላይ ድማ ኣዴታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘካየዶኦ ተቓውሞ’ዩ ጉዳዮም ናብ ሓፋሽ ቃልዕ ወጺኡ።

ሜድያታት ሶማል፣ እቶም ወትሃደራት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ከምዝተሳተፉን ሓያሎ ካብኣኦቶም ድማ ከምዝሞቱን ኣብ ጸብጻባተን ኣስፊረን።

መንግስቲ ሶማል ግና ነቲ ብሜድያ ዝቐረበ ጸብጻባት ነጺግዎ’ዩ።

እቶም ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ሶማላውያን፣ ምስ ባርነት ዝመሳሰል ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለዉ፣ ሃዲሞም ናብ ዓዶም ንዝተመልሱ ወትሃደራት ብምዝርራብ እተን ሜድያታት ብተወሳኺ ኣጋዊሐን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0