ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 98 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተለቒቖም

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 98 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተለቒቖም

Radio Erena: 11 October 2017

Yemeni fishermen

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 98 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተለቁ ኣገልግሎት ዜና የመን-ሳባ ሓቢሩ።

እቶም የመናውያን፣ ኣብ ክሊ ማያ የመን ዓሳ እናገፈፉ፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ’ዩ ዝወቕስ ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ዜና።

እቲ ዜና ብተወሳኺ፣ እቶም ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብ30 መስከረም ብጃልባ ናብ ዓዶም ኣብ ዝተፋነወሉ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ናይቲ ብሑቲን ካልኦት ኣካላትን ዝቖመ መንግስቲ ዝኾነት፣ ኣልያ ፈይሰል ዓብዱለጢፍ እትርከቦም ሰበ ስልጣን ኣብ ወደብ ሖደይዳ ከምዝተቐበልዎም ይጠቕስ።

እቲ ብድሕነት ሃገር ዝፍለጥ ብሑቲን ናይ ቀደም ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ዝቖመ መንግስቲ፣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታቱ ንምልቃቕ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ክዘራረብ ከምዝጸንሐ እታ ሚኒስተር ጠቒሳ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ እዞም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ይኹን ዝተታሕዝሉ ክሊ ማይ ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት፣ ምትሓዝ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብተደጋጋሚ ዝርአ ፍጻሜ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ሂብሉ ኣይፈልጥ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0