ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ዘርኢ ንጹር ስእሊ ከምዝረኸቡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኣቦ መንበር መንበር መርማሪት ኮሚሽን ኣፍሊጡ

ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ዘርኢ ንጹር ስእሊ ከምዝረኸቡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኣቦ መንበር መንበር መርማሪት ኮሚሽን ኣፍሊጡ

Radio Erena : 18 March 2015

Humr

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን፣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ዘርኢ ንጹር ስእሊ ከምዝረኸበት ኣረጋጊጻ።

ኣቦ መንበር ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ማይክ ስሚዝ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ጸብጻብ እታ ጉጅለ ብ16 መጋቢት፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 28 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፣ ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ናብ ኤርትራ ብምእታው ምጽራይ ከይገብሩ መንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ እኳ እንተኸልከሎም፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ 500 ኤርትራውያን ብምዝርራብ ሓበሬታ ክእክቡ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጡ።

 

ንሱ ኣብ ጸብጻቡ መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ንመጻኢ ዝኾነ ተስፋ ከምዘይርኣዮም’ውን ኣስሚሩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንመንእሰያት እታ ሃገር ካብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም ጀሚሩ ክሳብ ንዘይተፈልጠ እዋን ከምዝተሓዙ ስለዝገብር፣ መዓልታዊ ብትሕቲ 2 ዶላር ክነብሩ ኣጸጋሚ ምዃኑ’ውን ኣረዲኡ።

እቲ ኣቦ መንበር ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ኣባላት ሃገራዊት ኣገልግሎት ብ2 ዶላር ንመዓልቲ ማለት 60 ዶላር ንወርሒ ከምዝናበሩ እኳ እንተገለጸ፣ በዚ ሕጂ ዘሎ መጠን ሸርፊ ግና ሓደ 450 ናቕፋ ዝደሞዙ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ወርሓዊ እቶቱ ካብ 30 ዶላር ወይ ንመዓልቲ ሓንቲ ዶላር ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝቐረበ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ከም ንቡር ህይወት ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝተወስደ ብምዝኽኻር፣ ዝፍለጡን ዘይፍለጡ ኣብያተ ምእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ቁጽሮም ብዙሕ ምዃኑን ክሳብ ኣብ ኮንተይነር ዝእሰሩ ኤርትራውያን’ውን ምህላዎምን ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ብኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘየለ ብምጥቃስ ኩሉ ዝቐረብ ዘሎ ክስታት ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ጠቐነ’ዩ ክብል ጸኒግዎ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እምነትን ሃይማኖትን፣ ርእቶኻ ብናጻ ብምግላጽን ካልእ ምኽንያታትን ዝተቐየዱ ኣማኢት ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ፍርድን ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ማኣሰርቲ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ’ውን ዝፈልጦ ሓቒ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣሎ ዝብሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ሃዋሁ ከም ምኽንያት ከምዘቕርቦ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተወሳኺ መጽናዕትን ምጽራይን ብምክያድ፣ ካልኣይ ጸብጻባ ኣብ ሰነ 2015 ከተቕርብ’ያ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0