ኣብ ኤርትራ፣ ከርካሻ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዳህሳስ ወርቂን ነሓሰን ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 October 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከርከሻ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ዳህሳስ ወርቅን ነሓሰን ዝተዋፈረ ኣልፋ ኤክስፕሎሬሽን ዝተባህለ ኩባንያ ዘተባብዕ ውጽኢት ምርካቡ ተገሊጹ።

እቲ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ካብ ዳህሳስ፣ ናብ ኩዕታን ዕደናን ንምስግጋር ኣብ ዘኽእሎ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኻት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላዉ’ውን ተሓቢሩ።

ካብ ቢሻ 55 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ ከርከሻ፣ ተወላዶ ብሄረ ኩናማ፣ ባህላዊ ዕደና ዘካይድሉ ዝነበሩ ከባቢ’ዩ።

እንተኾነ፣ ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ኣብቲ ከባቢ ባህላዊ ዕደና ከይካየድ መንግስቲ ኤርትራ ኣጊዱ ምጽንሑ ይጥቀስ።

ኣብ ኤርትራ፣ ሓልዕሊ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብ ዕደና ዝተፈላለየ ሃብቲ ሃገር ተዋፊረን እኳ እንተለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይግሉጽ ኣገባብ ካብ ህዝቢ ሓቢኡ፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝቖመት ቦርድ የመሓድሮ ምህላዉ’ዮም ዜጋታት ዝጠቕሱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0