ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 21 November 2018

Sudan Equatorial

ንኢኳቶርያል ጊኒ ን39 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኤዶር ኦብያንግ ንጉዌማ ባሳጎ ናብ ሱዳን በጺሑ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰኑይ 19 ሕዳር ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ጌርሉ።

መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት ከካይዱ ሳሕቲ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ባሳጎ ናብ ሱዳን፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምዕባይ ዝዓለመ’ዩ።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት፣ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ ሽዱሽተ መረሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንተኸታታሊ 25 ዓመታትን ልዕሊኡን ኣብ ስልጣን ዝቕጽሉ ዘለዉ ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣-

1. ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሶጎ ን39 ዓመታት
2. ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቢያ ን36 ዓመታት
3. ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ን32 ዓመታት
4. ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ን29 ዓመታት
5. ፕረዚደንት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢ ን28 ዓመታት
6. ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን27 ዓመታት’ዮም።

እቶም ኣርባዕተ ካብዚኣቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኮይኖም እዞም መርሕቲ ንምስሊ ኣፍሪቃ ብምልኪን ዓመጽን ደዊኖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጠቕሱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0